ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ ን150 ዝተፀገሙ ወገናት ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር መውዓሊ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ንዝነብሩ 150 ዝተፀገሙ ወገናት ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር መውዓሊ ሓገዝ ስነ ስርዓት ምክፋል መኣዲ( ሰደቃ) ገይሩ።

ፕሬዝደንት ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር፥ እዚ ዝተገበረ ሓገዝ ሕጊ ሽሪዓ ዝተኸተለ ኢዩ ኢሎም።

ንመልላእ ስዓብቲ እምነት እስልምና ድማ ርሑስ በዓል ዒድ ክኾን ስናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ዳይሬክተር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዲስትሪክት መቐለ ኣይተ ኤልያስ ልሳነወርቅ፥ እታ ንእሽተይ እንገበራ ዘለና ሓገዝ እንቋዕ ኣብፅሐኩም ንምባል እዩ ኢሎም።

በዓል ዒድ ኣልፈጥር፥ ወርሒ ሎሚ ምሸት እንተተራእያ ፅባሕ፤ ሎሚ እንተዘይተራእያ ድማ ሶኑይ 22 መጋቢት 2017 ዓ.ም ከምዝኽበር ቤ|ት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምግላፁ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment