ባንኪ ዓለም ሸቶታት ልምዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ዓለም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበሮ ተግባራዊ ዝገበሮ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚን ተግባራዊ ንምግባር ዘርኣዮ ቁርፀኝነትን ንኢዱ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ፋይናንስ ምስ ዳይሬክተር ማኔጂንግ ክፍሊ ኦፕሬሽን ባንኪ ዓለም ኣና ቢየርድ ትግባራ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝጠመተ ዘተ ገይሩ።

ኣብቲ ዘተ፥ ክልቲኦም ወገናት ባንኪ ዓለም ኣጀንዳታት ልምዓት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡውን ኣብ ቀጣናዊ ዓውዲታት ልምዓት ዝግበር ደገፍ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ልዝብ ገይሮም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ ባንኪ ዓለም ኣብ ሸቶታት ልምዓትን ኣጀንዳታት ሪፎርምን ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ደገፍ ፋይናንስን ቴክኒክን ንኢዶም።

እቲ ትካል ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ፍሪያትን መፍረያይነትን ምዕባይ፣ ዓውዲ ውልቀ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ፣ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ሓፈሻዊ ንኢትዮጵያ ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ እውን አመስጊኖም።

ኣና ቢየርድ ብግደአን፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሸቶታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምዕዋት ዘርኣዮ ቁርፀኝነት ንኢደን።

ከም ወርቂ ዝበሉ ፍሪያታት ወፃኢ ንክውስኹ ብምግባር ዝሓሸ ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ንክህሊ ምቹውነት ንክህሊን ምቹእ ኩነታት ንግዲ ንክፍጠርን ምግባሩ እውን ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲታት ምምሕዳርን ምምሕያሽን ማክሮ ኢኮኖሚ ፈታኒ ኣብ ዝኾነ ዓለማዊ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘይብዳህ ኢኮኖሚ ምህናፅ ከምዝተኽኣለ ምዝራበን ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment