ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ሽፋን ብምግባር ባዕዲ ነገር ዝተሓወሶም ምግቢታት ናብ ማሕበረሰብ ከይበፅሑ እናሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ምግቢን መድሓኒትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ጠስሚ፣ መዓር፣ በርበረን እንጀራን ባዕዲ ነገራት ሓዊሶም ናብ ዕዳጋ ዘቕርቡ ነጋዶ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ኣብቲ በዓል መዚ ምክትል መካየዲ ስራሕ ዘፈር ቁፅፅር እንጋ እርቀታ፤ “ክትትል ብምግባር ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ናብ ዕዳጋ ዝኣትዉ ምግቢታት ዝመፅኡሉ ከይዲ ሓዊሱ ብግቡእ ከምዝተትሓዙ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ጥቡቕ ቁፅፅር ከምዝገብር ኣፍሊጦ፡፡
ብብርሃኑ ኣበራ