ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ፍሉይ ኣኼባኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ፡፡
እቲ ባይቶ ኣብ ፍሉይ ኣኼባኡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንመጠናኸሪ ዓውዲ ፋይናንስ ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ኣፅዲቑ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ዝተፈረመን ንመፈፀሚ መመሓየሺ ፕሮጀክት ዘበናዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውዕል ስምምዕነት ልቓሕ ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ መርሚሩ ከምዘፅቐ ተሓቢሩ፡፡
እቶም ኣዋጃት ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
ብኣሸናፊ ሽብሩ