ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንበዓል ትንሳኤ ዘመሓላለፎ መልእክቲ መግለፂ ሰናይ ትምኒት

ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንዃዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ብሰላም ኣብፀሐኩም!

በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሰብ ካብ ኣዳም ዝወረሶ ዕዳ ሓጢያት ንምድምሳስ ንሞት ስዒሩ ዝተለዓለሉ በዓል ከምዝኾነ ብሰዓብቲ እምነት ብፅኑዕ ይእመን።

ትንሣኤ ውድቀት፣ ስዕረት፣ ተስፋ ምቑራፅን ባርነትን ዓወት ናይ ምግባር ምልክት እዩ፡፡ ምኽንያቱ ትንሣኤ ማለት ንሞት ስዒሩ ብምትንሳእ፣ ዳግማይ ደው ምባል ማለት እዩ!

ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ብፆም፣ ፀሎት፣ ስግደት፣ ሕያዋይነትን ትሕትናን ከምዝፀንሑን ነቲ በዓል እንተኽብሩ ድማ ንዝተፀገሙ ብምድጋፍ፣ ንዝሰኣኑ ብምሃብ፣ ንዝጠመዩ ብምምጋብ፣ ብፍቕሪ፣ ብሰላም፣ ብሓድነትን ሰናይን ከብዕልዎ ፃውዒት ነቕርብ፡፡

ብድጋመ ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይኹነልኹም!

Comments (0)
Add Comment