ብሄራዊ ባንኪ ዘካየዶ ውፅኢት ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ውፅኢት ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብቲ ጨረታ 12 ባንክታት ከምዝተሳተፉ እቲ ባንኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣፍሊጡ፡፡

በዚ ድማ ዋጋ ማእኸላይ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ሓደ ዶላር ኣሜሪካን 131 ነጥቢ 7095 ብር ብምዃን ከምዝተመዝገበ ገሊፁ።

ኩነታት ዕዳጋ ሸርፊ ወፃኢ ብቕርበት ብምክትታል ከከምኣድላይነቱ ተወሳኺ መሸጣ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘካይድ ዝሓበረ እቲ ባንኪ፤ ቀፃሊ ጨረታ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከምዘካይድ ኣመልኪቱ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment