ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲን ህዝቢ ትግራይን ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ንዝነበረ ወጥሪ ዝሃቡዎ ብልሓት ዝተመልኦ ምላሽ ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ከይዲ ጎንፂ ክተርፍ ከምዝገበሮ ተገሊፁ፡፡
መንግስቲ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ንኽግበር ዘርአዮ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሃይለኪሮስ ረዳኢ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም፡፡
ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናይ ክልተ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ዝተዛዘመ ዘበን ስልጣን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምንዋሕ ኣብቲ ክልል ዳግም ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ከይዲ ጎንፂ ብብልሓት ጠጠው ክብል ዝገበረሉ መገዲ ዝድነቕ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሑ (ኢዜማ) ሙሉኣለም ተገኘወርቅ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ “ኣብ ክልል ትግራይ ንዝመፅአ ሰላም ግደ ሕብረተሰብ ቀሊል ዝበሃል ኣይነበረን” እውን ኢሎም።
ኣብቲ ክልል ዝነበረ ንሕንሕ ስልጣን ናብ ኲናት ከእቱ ዝኽእሉ ምልክታት ዝተረኣዩሉ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ብፍላይ ወገን መንግስቲን ሕብረተሰብን ዝተርኣየ ትዕግስቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ሰላም ምፅናዕ ዘኽአለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ