ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ጉጂ ወረዳ ሳባ ቦሩ ብባላዊ መገዲ መዓድን ኣብ ምውፃእ ዝነበሩ 8 ሰባት ብሓደጋ ምግመህማስ መሬት ህይቶም ሓሊፉ፡፡
እቲ ሓደጋ ትማሊ ሰዓት 9 ብባህላዊ መገዲ መዓድን ኣብ ምውፃእ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ዘጋጠመ ከምዝኾነ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን እታ ወረዳ ኣይተ ኣሸናፊ ዳንቆ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡
ኣስከሬን በቲ ሓደጋ ንሕልፈት ዝቓልዑ ሰባት ካብቲ ዝተጋህመሰ መሬት ናይ ምውፃእ ስራሕ እናተኻየደ ከምዝርከብ እውን ኣልዒሎም፡፡
ብደበላ ታደሰ