ብመሰረት ስግግር ፖሊሲ ፍትሒ ናፃን  ዘይሻራዊን ፍሉይ መጋባእያ ንምጥያሽ ሕጊ ይሕንፀፅ ኣሎ

ብመሰረት ስግግር ፖሊሲ ፍትሒ ናፃን  ዘይሻራዊን ፍሉይ መጋባእያ ንምጥያሽ ሕጊ ይሕንፀፅ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብመሰረት ስግግር ፖሊሲ ፍትሒ ብዝምልከት ናፃን ዘይሻራዊን ፍሉይ መጋባያ ንምጥያሽ ሕጊ ናይ ምሕንፃፅ ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ገሊፁ፡፡

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዑደት ዝገበሩ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክስ ላሜክ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ስግግር ፖሊሲ ፍትሒ መሰረት ገይሩ ፍሉይ መጋባያ ምጥያሽ ብዝምልከት ከምኡውን ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ሪፎርም መብርሂ ተዋሂቡዎም።

ኣብ ትግበራ ስግግር ፖሊሲ ፍትሒ ኣብያተ ፍርዲ  ዝተውሃቦም ግደ ንምትግባር ዘኽእሉ ጉዳያት ምትሕብባር ምግባር ኣብ ዘኽእል ጉዳያት እውን ዘተ ተኻይዱ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቴዎድሮስ ምሕረት÷ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ስግግር ፖሊሲ ፍትሒ ብዝምልከት ናፃን ዘይሻራዊን ፍሉይ መጋባእያ ንምጥያሽ ኣብ ሕጊ ምሕንፃፅ ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ኣሌክስ ላሜክ ብግዲኦም÷ ሓቂ ካብ ምድላይ ብዝተትሓሓዘ ምስ ግዳያት መጉዳእቲ ዘተ ስለዝኻደሉን ተሓታትነት ብዝረኣየሉን መገዲ ሃገሮም ደገፍ ከምትገብር ምግላፆም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment