ብምትሕስሳብ ዘለና ተኻፊልካ ናይ ምንባር ባህልና ብዝበለፀ ክነጠናኽር ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ባህሊ ምግባርን ብዝበለፀ ምጥንኻርን ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን እቲ ቤት ፅሕፈት ንዘዕብዮም ህፃናትን መኣዲ ኣካፊሎም።

ኣብቲ እዋን ድማ መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ባህሊ ምግባርን ብዝበለፀ ምጥንኻርን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

በዓል እንትመፅ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ይፅገሙ ኢዮም፤ “ደቅና እንታይ ክነብለዖም ኢና፣ ደቅና ናይ ሰብ ኢድ ክሪኡ ኢዮም” ብዝብል ከምዝሓስቡ ተዛሪቦም፡፡

“ብፍላይ ደቃ እንደለዩ ሪኣ ምምላእ ዘኣበያ ኣዶ ብዙ እዩ ዘሕማ፤ ውሽጣ ይደሚ፤ እዚ ነይ እኖታት ንብዓት መኣዲ ብምክፋል ምሕማስ ምኽኣል ድማ ልዑል ሓጎስ ይፈጥር” ኢሎም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ሃፍታማት ተሪፉዎም ይደፍኡዎ ኢዮም” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ተሪፉ ካብ ዝድፋእ ተሓሳሲብካ ዘለካ ተኻፊልካ ናይ ምንባር ልምዲ ከም ሃገር ምድንፋዕ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ንርእሳ ዝኸውን እኹል ፍርያት ከምተፍሪ ብምሕባር÷ እቲ ፀገም ፍርያት ዘይኮነስ ዝተረኸበ ተሓሳሲብካን ተኻፊልካን ኣብ ምጥቃም ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

መኣዲ ምክፋል በቢቤት ዕዩኡ፣ በቢከባቢኡን በቢጎረቤትን ናይ ኩሉ ልምዲ እንትኸውን ነይሩ ንዝተፀገሙ ዜጋታት ዐለታዊ ምግቢ ሓሳብ ኣይምኾኖምን ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ኩሉ ዜጋ እቲ በዓል እንተኽብር ዓቕሚ ንዘይብሎም ዜጋታት ዘለና ብምክፋልን ምትሕብባርና ብምርኣይን ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡

በዚ መልክዑ ሰናይ ተግባርን ርህራሀን ምብዛሕ ንህንፀት ዝቕፅል ወለዶ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዘኻኺሮም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment