ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ልዕሊ 24 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎ 3 ሺህ 700 ኩንታል ፍርያት ቡን ምሓዙ ኣፍሊጡ።
እቲ ፍርያት ቡን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ደብረ ብርሃን ንምሳድ ከምኡ እውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር ንምውሳድ ብተሽከርከርቲ ምስተፅዓነ ከመዝሓዘ ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል ኣመልኪቱ፡፡
ኮንትሮባንድ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገር እናብፀሖ ዝርከብ ልዑል ፅዕንቶ ብምግንዛብ ሕብረተሰብ ንኣካላት ፀፅታ እናገበሮ ንዝርከብ ምትብባር ዘመስገነ ፖሊስ፤ እዚ ተግባር ኣጠናኺሮ ንኽቕፅል ሓቲቱ፡፡