ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ብሕልፈተ ህይወት መራሒ ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ሮም ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊፆም፡፡
እቶም ፓትርያርክ ንመላእ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮምን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምእመናን ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ኢትዮጵያ ብሽም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ሓዘኖም ገሊፆም።