ብ13 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣብ 5 ከተማታት ትግራይ ቀረብ መስተ ማይ ንምምሕያሽ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብ13 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ክልል ትግራይ ቀረብ መስተ ማይ ንምምሕያሽ ዘኽእል ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀክት ብሓገዝ ባንኪ ልምዓት ጀርመንን መተሓባበራይነት ዩኒሴፍን ቢሮ ማይ ሃፍቲን ኢነርጂን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝስራሕ እዩ ተባሂሉ።

ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ፥ ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ምስ ተወከልቲ ዩኒሴፍን ባንኪ ልምዓት ጀርመንን ዘትዮም።

ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ቐረብ መስተ ማይ ክልል ትግራይ ንምምሕያሽ ዝገበርዎ ተበግሶ ንኢዶም።

እቲ ፕሮጀክት ትግራይ መሊስካ ኣብ ምሕዋይ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎን እዙይ ብፅሬትን ፅፈትን ክስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓገዝ ከምዝገብርን ገሊፆም።

ብቐዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ዝስራሕ እቲ ፕሮጀክት ማይ፥ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ንምዝዛም ትልሚ ከምዝተትሓዘ  ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሞገስ ገ/ሄር ገሊፆም።

ከተማታት መኾኒ፣ ውቕሮን ሽረን ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ተረባሕቲ ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ዳይሬክተር ልምዓት ባንኪ ጀርመን(KFW) ኣብ ኢትዮጵያ ዮናስ ዲላን ኣብ ዩኒሴፍ ጨንፈር ኢትዮጵያ ሓላፊ ክፍሊ ቀረብ ማይን ፅሬት ከባብን (WASH) ቪክቶር ኪያንጃን ብግደኦም፥ ግልጋሎት ማይ እቲ ክልል ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment