ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተረከባሉ መበል 10ይ ብብርኪ ከተማ ተመሃሮን መምህራንን ስራሕ ፈጠራ ሳይንስ ዓውደ ምርኢት ተኸፊቱ፡፡
እቲ ዓውደ ምርኢት”ዕውት ፈጠራ ስራሕ ንትጉህ ወለዶ ብልፅግና ሃገር ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነትዝካየድ እንትኾን÷ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ መንግስታውን ዘይመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝትተውፃእፅኡ ተማሃሮን መምህራንን ፈጠራዊ ስራሕቲ ንምርኢት ኣቕሪቦም፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መኽፈቲ ዓውደ ምርኢት ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ÷ንዝተፈላለዩ ፀገማት መፍትሒ ዝኾኑ ፈጠራ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ፈጠራዊ ስራሕቲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ክተባባዕ ይግባእ ምግላፀን ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር እቲ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡