ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መተሓባበሪ ኮሚቴ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ዝጠመተ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ መተሓባበሪ ኮሚቴ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ከምዘሰናደኦ ተገሊፁ።
ሕቶታት ዴሞክራሲን ልምዓትን ህዝቢ እቲ ክልል ዝፈትሕሉ ኩነታት ዕላዊ ንምግባር ካብ ዝኾነ ይኹን ፓርቲ ፖለቲካ ነፃ ዝኾነ ትካል ስቪክ ማሕበር ምጥያሽ ከምዘድሊ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ዕጡቓት ሓይሊታት ዕጥቆም ብምፍታሕ ናብ ስሩዕ ህይወቶም ንክምለሱን ኣብቲ ክልል ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕን ናይ ኩሉ ርብርብ የድሊ ተባሂሉ።
ብየሻምበል ምህረት