ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴሌቪዥን ኢ.ቢ.ኤስ ብርቱካን ተመስገን ኣመልኪቱ ንዘመሓላለፎ ዶክመንተሪ ይቕሬታ ሓቲቱ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢቢኤስ ኣይተ ኣማን ፍስሃፅዮን እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም ድማ “ብውሽጢ እቲ ትካልን ብደገን ብዝተወደበ ሓይሊ ካብ መምርሒ ጋዜጠኝነት ወፃእ ዝኾነ ተግባር ተፈፂሙ ኢዩ” ኢሎም።
ኣሰናዳእቲ እቲ ዶክመንተሪ ብዘይ እኹል ምፅራይ ሓበሬታ ዘሰርሑዎ ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እቲ ምድላው ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክወርድ ዝኸኣለ ብርቱካን ባዕላ ብዘቕረበቶ ሕቶ መሰረት ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡