ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሽርክና ቀፃልነት ብዘለዎ ምትሕብባር ምጥንኻር ከምዝግባእ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዡ ቢንግ ገሊፆም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) መስቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ከልቲኣዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።
ጌዲዮን (ዶ/ር)፥ ክልቲኣዊ ስትራቴጂካዊ ሽርክና ኢትዮ-ቻይና ፅኑዕን ዘይናጋዕን ኢዩ ክብሉ ኣብቲ ዘተ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ቀጣናዊ ሰላምን ምርግጋዕን ንምንጋስ ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ ቻይና ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ንክትገብር ምሕታቶም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ብግደኦም፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርከብ ልዑል ብርኪ መብፅሑ ተዛሪቦም።
እቲ ሽርክና ቀፃልነት ብዘለዎ ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።