ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት እስራኤል ቤኒያሚን ኔታኒያሁ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ጋዛን ጉዳይ ኢራንን ጠሚቶም ክዛተዩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡
እቶም መራሕቲ ሎሚ መዓልቲ ክራኸቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዘልዐሉዎ ሓሳብ ኣብ ጉዳይ ማእኸላይ ምብራቕ ጠሚቱ ምስ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ዝገብሩዎም ዘተታት ለውጢ እናርአዩ ከምዝኾኑ የልዕሉ እምበር ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም።
ይኹን እምበር ትራምፕ “ኣብቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ርግፀኛ ኣይኮንኩን” ብምባል÷ “ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ሰላም ከምዝዓስል መረጋገፂ ውሕስና የብለይን” ክብሉ ገሊፆም።
ዶናልድ ትራምፕ ብዕሊ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሮም ንዝተፈረመ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምስጋና ምቕራቦም እውን ኣልጄዚራ ፀብፂቡ።
ጉጅለ ተደራዳሪ እስራኤል ኣብ ካልኣይ ዙር ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንምዝርራብ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ኳታር ንምጉዓዝ ኣብ ምድላው ከምዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፡፡