ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ኤፍ ኤ ካፕ እንግሊዝ ኖቲንግሀም ፎረስትን ማንቼስተር ሲቲን ምሸት ሰዓት 12፡30 ክራኸባ ኢየን።
ማንቼስተር ሲቲ ንቦርንመዝ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍፃመ ዝሓለፈት እንትትከውን፤ ኖቲንግሀም ፎረስት ድማ ንብራይተን ብምስዓር ኢያ ናብዚ ውድድር በፂሓ ዘላ።
ማንቼስተር ሲቲ ኣብዚ ውድድር ዓመት ብዘይ ፅዋዕ ንዘይምዝዛም ብርቱዕ ንሕንኽ ክትገብር ኢያ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ካብ ክልቲአን ጋንታታት ዝተዓወተት ኣብ ፍፃመ ፀወታ ምስ ክሪስታል ፓላስ ክትራኸብ ኢያ።