ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ባህለን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተረክሂን ኣብ ዓውዲ ባህሊ፣ ኪነ ጥበብን ስፖርትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ኣሳሊጠን።
ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና ብዝሃ ባህሊን ታሪካዊት ሃገርን ብምዃና ምስ መንግስቲ ሩሲያ ኣብቶም ዓውዲታት ብምትሕብባር ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ንኣባል ሃገራት ብሪክስ ባህላን ኪነጥበባን ንምፍላጥ ከምኡውን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ትሰርሖ ዘላ ስራሕቲ መንግስቲ ሩሲያ ብምድጋፍን ምትሕብባርን ከምዝስራሕ ተሓቢሩ።
ኣብ ቀፃሊ ሰነድ ስምምዕነት ብምኽታም ናይ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ ምስምዕመዖም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።