ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ኢኮኖሚ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ኣኼባ ኢትዮ- ሳዑዲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓሰን ዓብዱላሂ (ዶ/ር) ን ኣቦ መንበር ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ዓብዱላህ ኣላጅሚን ብሓባር መሪሖምዎ፡፡
ኣብቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ምጥንኻር ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡
ኣኼባ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ሓድሽ ኢኮኖሚ ምትሕብባርን ስትራተጂካዊ ምሕዝነትን ዘምፅእ ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ዕደና፣ ቱሪዝምን ኮንስትራክሽንን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ምግባሩ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪያድ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡