ኢትዮጵያን ቤላሩስን ምትሕብባረን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጤሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ቤላሩስ መዘነኦም ማክሲም ሪዤንኮፍ ተዛቲዮም፡፡

ጌዲዮን ጤሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፥ ኢትዮጵያ ምስ ቤላሩስ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዓውዲታት ምትሕብባር ብምስፋሕን ተረባሕነት ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ንምርግጋፅ ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንሰብ ሃፍቲ ቤላሩስ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ መዓድን፣ ንንግዲን ቱሪዝምን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ሰፋሕቲ ዕፍላት ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማክሲም ሪዤንኮፍ ብግደኦም፥ ሃገሮም ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻርን ሓበራዊ ተረባሕነት ንምድንፋዕን ተወሳኺ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምፍጣር ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሩሲያ ካዛን ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ጎድና ጎድኒ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ዝገበሩዎ ዘተ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንኽጣኸር ዕዙዝ ግደ ከምዝተፃወተ ኣብ ዘተኦም ኣልዒሎም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዓውዲታት በዓል ብዙሕ ወገን ዘለዎም ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ጠሚቶም ከምዝተዛተዩ ካብቲ ኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment