ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቤላሩስ ማክሲም ሪዚሄንኮቭ ኣብ ክልተኣዊ ማዕቀፍ ስራሕ ብምጥማት ዘቲየን፡፡
እቲ ክልተኣዊ ማዕቐፍ ስራሕ፤ ኣብ ዓውዲታት ባህሊ፣ ኪነ-ጥበብን ስፖርትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ዘተ እቶም ሚኒስትራት፤ ዓውዲታት ባህሊ፣ ስፖርትን ኪነጥበብን ብምጥቃም ምትሕብባር ህዝቢታት ንምድንፋዕን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘድሀበ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡