ኢትዮጵያን ቤላሩስን ኣብ ዓውዲታት ባህሊ፣ ኪነ-ጥበብን ስፖርትን ብሓባር ንምስራሕ ዝዓለመ ዘተ ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቤላሩስ ማክሲም ሪዚሄንኮቭ ኣብ ክልተኣዊ ማዕቀፍ ስራሕ ብምጥማት ዘቲየን፡፡

እቲ ክልተኣዊ ማዕቐፍ ስራሕ፤ ኣብ ዓውዲታት ባህሊ፣ ኪነ-ጥበብን ስፖርትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዘተ እቶም ሚኒስትራት፤ ዓውዲታት ባህሊ፣ ስፖርትን ኪነጥበብን ብምጥቃም ምትሕብባር ህዝቢታት ንምድንፋዕን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘድሀበ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment