ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ዘለወን ታሪኻ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝሕግዝ ዘተ ኣካይደን፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልኡልሰገድ ታደሰ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ብራዚል ጆዜ ሙሲዮ ሞንቴሮ ፊልሆ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ልኡልሰገድ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ÷ ምስቶም ሚኒስትር ታሪኻ ምትሕብባር ሰላምን ድሕንነትን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝተዛተዩ ኣፍሊጦም፡፡

Comments (0)
Add Comment