ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ቼክ ሪፐብሊክን ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ኢንዱስትሪ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጂን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክሰርሓ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ምክትል ሚኒስትር ንግዲን ኢንደስትሪን ቼክ ሪፐብሊክ ንግድ ጄ ካቫሊሪክ ተዛቲዮም።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ኢትዮ-ቼክ ሪፐብሊክ ፕራግ እናተሳተፉ እንትኾኑ÷ ድሕሪ እቲ ኣኺባ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ምክትል ሚኒስትር ንግዲን ኢንደስትሪን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዕዉት ዘተ ኣካይዶም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ኢንዱስትሪ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲ ማይን ኢነርጂን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣልዒሎም።
ኣምባሳደር ምስጋኑ ምስ ጄ ካቫሊሪክ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ እቲ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝተለዋወጠኦ ረቂቕ ሰነድ ምስረታ ሓበራዊ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣብ ሓፂር እዋን ብምፍርራም ናብ ስራሕ ምእታው ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።