ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኢራንን ኣብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓቢርካ ንምስራሕ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዘቲየን።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኢትዮጵያ ዓሊ ኣክባር ረዜል ዘቲዮም።
ኣይተ መላኩ፥ ኢራን ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ክልቲኣዊ ረኽቢ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኢንቨስትመንት ንምስሓብን ኣብ ምትሕብባር ቴክኖሎጂን ሓቢርካ ንምስራሕ ምዝታዮም ገሊፆም።
ኣምባሳደር ዓሊ ኣክባር ረዚል ካብ 19 ክሳብ 23 ሚያዚያ 2017 ዓ.ም ኣብ ቴህራን ኣብ ዝግበር “መበል ሳልሳይ ኮንፈረነስ ኢኮኖሚ ኢራንን ኣፍሪካን” ነክሳተፉ ነቶም ሚኒስትር እንግዶት ኣቕሪበሙሎም።
ኣብቲ ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ኢኮኖሚን ንግዲን ከምኡውን ተወከልቲ መንግስቲን ውልቀ ዓውዲን ከምዝሳተፉ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።