ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘለወን ኩለመዳይ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኣታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ደቡብ ሱዳንን ተጠባባቒ ሚኒስትር ነዳዲ ማሪያን ዶንግሪን (ዶ/ር)ን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ፤ ሓበራዊ ተረባሕነት ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ከደንፍዑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ትኹረት ገይሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልተኣዊን ኢኮኖሚያዊን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት መሰረተ ልምዓት፣ ኢነርጂን ካልኦት ዓውዲታት ልምዓትን ንምትእስሳር አብ ዘኽእሉ ኩነታት እውም ተመያይጦም፡፡

ዘላቒ ዛባዊ ሰላምን ፀፅታን ቅድሚት ሂብካ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣብቲ እዋን ዘተ ኣፅንኦት ተዋሂቡዎ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment