ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 26 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ መድን ንኢትዮ ኤሌክትሪክ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ ።
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኢትዮጵያ መድን ንኽትዕወት መሓመድ ኣበራ ብፍፁም ቅላዕን ብፀወታን ኣመዝጊቡዋ፡፡
ፀወታ እቲ ሊግ ምሸት ሰዓት 12:00 እንትቕፅል ሃዋሳ ከተማ ምስ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ክራኸባ ኢየን።