ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 25 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ንፋሲል ከነማ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡
ብሕታዊት ሸቶ ኢትዮጵያ ቡና ኮንኮኒ ሃፊዝ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ናብ ዓወት እንትትምለስ ፋሲል ከነማ ድሕሪ ሰለስተ ተኸታታሊ ዓወት ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
እቲ ውፅት ስዒቡ ኢትዮጵያ ቡና ብ39 ነጥቢ ኣብ 2ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ፋሲል ከነማ ብ33 ነጥብ ኣብ 8ይ ደረጃ ትርከብ፡፡
ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 መቻል ምስ ኣርባ ምንጭ ከተማ ክራኸባ ኢየን፡፡