ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ርኡይ ለውጢ ተመዝግብ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ርኡይ ለውጢ ተመዝግብ ከምዘላ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ጉባኤ ልምዓት ኢንተርኔት ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር፥ ኢንተርኔት ንምዕባለ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ ዝምድናን ልምዓትን ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ንቀጣናዊ ምትሕብባርን ምህዞን ምቹእ ምህዳር ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር አብቲ ቀጣና ምስ ዘሎ ባህጊ እንትረአ ተበፃሕነት ኢንተርኔት ሐዚ እውን ብድሆ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ  ዲጂታል 2025  ስትራቴጂ መሰረት ሽግግር ዲጂታል ዕላዊ ዝገብሩ ተግባራት ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሮም።

መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ብልዑል ኩነታት ተስፋሕፍሕን ተማዕብልን ከምዘላ ብምግላፅ፥ 4ጂ ኔት ዎርክ ተበፃሕነቱ ሃገራዊ ሕሽፋን 34 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

5ጂ ኔትወርክ አውን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣገልግሎት ምጅማሩን እዚ ድማ ተበፃሕነትን ተረባሕነትን ኢንተርኔት ክብ ከምዘብል ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment