ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምክልኻል እናተሳተፈት ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምክልኻል ኣብ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስን ዓውደ ምርኢትን ምክልኻል ይሳተፍ ኣሎ፡፡

እቲ ዓውደ ምርኢትን ኮንፈረንስን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 21 ለካቲት 2025 ዝካየድ እንትኸውን÷ ንዕቤት ወታደራዊ ኢንዱስትሪ ረብሓ ዘለዎ ዓለም ለኸ ልምዲታት ዝውሰዱሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ምስ ኤታማዦር ሹም ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ኢሳ ሰይፍ መሓመድ ኣል ማዝሮኢን ካልኦት ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራርሓን ብምርኻብ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ትካላት ክልተኣዊ ምትሕብባር ብምጥማት ክዝተዛተዩ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣቡዳቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment