ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ቴህራን እናተኻየደ ዝርካብ 3ይ ኢኮኖሚያዊ ጉባኤ ምትሕብባር ኣፍሪካ-ኢራንን ኣብ ዓለም ለኸ ኤክስፖን ትሳተፍ ኣላ፡፡
እቲ ጉባኤ ብቐንዲ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣፍሪካን ዘሎ ኢንዱስትሪ፣ ንግድን የኢቨስትመንትን ምትእስሳር ንምጥንኻር ጠመተ ሂቡ ዝካየድ እንትኾን፥ ብሚኒስትር ዲኤታ ኢንዱስትሪ ሓሰን ሞዓሊን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡክ ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡
ፕሬዝዳንት ኢራን መሱድ ፔዝሽኪያን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ሃገሮም ብጥዕና፣ ንግዲ፣ ኢንዱስትሪን ሕርሻን ዘመዝገበቶ ዓወት ብዝምልከት ልምዲ፣ ተሞክሮን ቴክኖሎጂን ንሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ድልውቲ ምዃና ገሊፆም፡፡
እቲ ጉባኤ ብነዳዲ፣ መድሓኒት፣ መዓድንን ኢንዱስትሪ መዓድንን ከምኡውን ኣብ ሕርሻ፣ ኢነርጂ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ጠመተ ሂቡ ከምዝኻየድ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡