ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)” ዘላቒን ንህዝቢ ማእኸለ ዝገበረ ሓምለዋይ ስግግርን ”ብዝል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ 2025 ፒ4ጂ ቬይትናም ጉባኤ ኢትዮጵያ ተመክሮ ስርዓተ ምግባ ኣካፊላ፡፡
ምስ ሓምለዋይ ለውጢ ዝተዋደደ ዘላቒ ስግግር ስርዓት -ምግቢ ብዝምልከት መድረኽ ሚኒስትራት ተኻይዱ እዩ።
ኢትዮጵያ ብኩለ መዳይ ፍኖተ ካርታ ስርዓተ -ምግብን አሰናዲኣ እናተግበረት ከምትርከብ ተገሊፁ።
ብፍላይ ሃገር ቦቆል ሓምለዋይ ኣሰር ልምዓት ስርናይን መደባት ትሩፋት ሌማት ዘላቒ ስርዓት ምግብን ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይህሰ ሕርሻ ንምርግጋፅ መሰረት የንብሩ ምህላዎም ተሓቢሩ።
ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ አመንቴ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ መድረኸ ምስ መዘነኦም ቬይትናም ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብፋላይ ኣብ ልምዓት ሩዝ ብምትሕብባር ንምስራሕ ተረዳዲኦም ከምዘለዉ ኣብቲ ሚነስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።