ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ንምዕዋት ግደ ዓውዲ ጥዕና ዕዙዝ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእሐላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ክልል ከተማ ሆሳእና ዓመታዊ ፌስቲቫል ኤክስቴንሽን ጥዕና ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ናይዚ ዘበን ጅግንነት ህዝቢ ብብቕዓት ምግልጋል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ንምምዕባልን ንምዕባይን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝትግበር ስራ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ማሕበረሰብ ኣፍራዪ ሓይሊ ይኸውን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ብልፅግና ንምዕዋት ግደ ዓውዲ ጥዕና ዕዙዝ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ንዝመፅእ ወለዶ ዝማዕበለት ሃገር ንምርካብ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ትውልዲ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን ኣገልግሎት ጥዕና ማሕበረሰቡ ውፅኢታዊ ንምግባር እናተተግበረ ዝርከብ ፕሮግራም ኤክስቴንሽን ጥዕና ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት ዕዉታት ከምዝኾኑ ገሊፀን።