ኢኮኖሚ ካሊፎርኒያ ኣብ ኢኮኖሚ ዓለም ራብዓይ ደረጃ ሒዛ ንዝነበረት ሃገረ ጃፓን በሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ግዝኣት ኣሜሪካ ዝኾነት ካሊፎርኒያ ኣብ ደረጃ ልዑል ኢኮኖሚ ዓለም ሃገራት መበል ራብዓይ ካብ ዝተቐመጠት ጃፓን ከምዝበለፀ ዕላዊ ኮይኑ።
ካብ ትካል ገንዘብ ዓለም (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ቢሮ ትንተና ኢኮኖሚ ዩኤስን ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ግዝኣት ካሊፎርኒያ 4 ነጥቢ 1 ትሪሊየን ዶላር ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ኣመዝጊባ።
በዚ ድማ ካብ መስርዕ ወነንቲ ልዑል ኢኮኖሚ ዓለም ሃገራት ኣብ መበል ራብዓይ ደረጃ ዝተቐመጠት ጃፓን ክትበልፅ ክኢላ።
ካሊፎርኒያ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ ማኑፋክቸሪንግን ግብሪ ፍርያት ሕርሻን ትሕዝ እንትትከውን፤ ማእኸ ኢንዱስትሪ መዘናግዒ ዓለም ክልተ ዓበይቲ ወደባት እታ ሃገር ዝርከቡላ ከምኡ እውን ወናኒት መሪሕ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ኢያ።
ጃፓን ብምኽንያት እናወረደ ዝመፅአ በዝሒ ህዝቢን እርጋንን ሓይሊ ሰብ ከምዝነከየን ወፃኢታት ማሕበራዊ ክንክን እናወሰኹ ምምፀኦም ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚኣ ፅዕንቶ ከምዘንፀላለወ ቢቢሲ ፀብፂቢ፡፡
ኣሜሪካ፣ ቻይናን ጀርመን ልዑል ኢኮኖሚ ዝውንና ሃገራት ዓለም እንትኾና÷ ብግዝኣት ካሊፎርኒያ ዝተበለፀት ጃፓን ኣብ ራብዐይቲ ሃገር ኢያ።
ብሄለን ታደሰ
Comments (0)
Add Comment