ኣዲስ ኣበባ፤ 1 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኤም ሲ)ኢጋድ ኣብ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ንምዝታይ ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ፀዊዑ።
እቲ ጉባኤ ድሕሪ ፅባሕ ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣብታ ሃገር ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ጠመተ ከምዝገብር ኣብ ኢጋድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኢጋር ብሓዱሽ መልክዕ ኣብ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ወሳኒ ግደ ምፅዋቱ ገሊፁ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርድዳእ ብዘተ ንክፍታሕ፣ ምስሕሓባት ንክዘሓሓሉን ህዝቢ መፃኢ ግዜኡ ሰላም ንክኸወን ዝተጀመረ ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።