ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመራርሓ ዓለም ለኻዊን ዞባዊን መሓዙት ትካላት ከምኡ እውን ሰብ ሞያ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዑደት ኣሳሊጦም።
ብሚኒስትር ዴኤታ ማይን ኢነርጂን ኣብርሃ ኣዱኛ (ዶ/ር) ኣብ ዝተመርሐ መርሃ ግብሪ ዑደት÷ ኮሚሽነራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተፋሰስ ሃገራት ተሳቲፎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ማሕበር ግድባት ካናዳን ኣውስትራሊያን፣ ማሕበር ሃይድሮፓወር ኖርዌይ ከምኡ እውን ኣብ ዛምቢያ ኣመራርሓ በዓል መዚ ሩባ ዛምቤዚ ከምዝተፉ ተገሊፁ።
እቲ መርሃ ግብሪ ዑደት ኣካል ኣብ ናይል ተፋሰስ ማእኸል ድሕንነት ግድብ ንምጥያሽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝቲ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘተ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።