ኣሜሪካ ምስ ዩክሬን እትገብሮ ልዉዉጥ መረዳእታ ድሕንነት ገቲኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ምስ ዩክሬን እትገብሮ ዝነበረት ልዉዉጥ መረዳእታ ወተሃደራዊ ድሕንነት ከምዝገትአት ኣፍሊጣ፡፡

ዋሽንግተንን ኬቭን ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ልዉዉጥ መረዳእታ ወተሃደራዊ ድሕንነት ከካይዳ ምፅነሐን ተገሊፁ፡፡

ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፥ ልዉዉጥ መረዳእታ ድሕንነት ክልቲአን ሃገራት ንኽቋረፅ ዉሳነ ምሕላፉ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ማይክ ዋልዝ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ዉሳነ ንኽንደይ እዋን ዝኣክል ተግባራዊ ከምዝኾንን እቲ ልዉዉጥ  መረዳእታ ድሕንነት እዉን ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝቋረፅ ዝተገለፀ ነገር የለን ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ብዘይምርድዳእ ዝተዛዘመ ዘተ ዶናልድ ትራምፕን ቮለድሚር ዘለንስኪን ስዒቡ ኣሜሪካ ቕድሚ መዓልቲታት ንኬቭ እትህቦ ወተሃደራዊ ደገፍ ደዉ ከምዘበለት ይዝከር፡፡

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ሓበራዊ ኣኼባ ኮንፈረንስ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥  ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ሃገሮም ምስ ኣሜሪካ ንምስራሕ ድልዉቲ ምዃና ዝገልፅ ደብዳበ ምልኣኾም ምግላፆም ይፍለጥ፡፡

Comments (0)
Add Comment