ኣሜሪካ ንዩክሬን እትህቦ ወታደራዊ ድጋፍ ንግዚኡ ደው ምባላ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሃገሮም ንዩክሬን እትህቦ ወታራዊ ድጋፍ ብግዝያዊነት ጠጠው ንኽተብል ምውሳኖም ገሊፆም፡፡

እቲ ውሳነ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መዘነኦም ቮሎድሚር ዘለንስሊ ቕድሚ መዓልቲታት ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዘካየድዎ ዘተ ብዘይምርድዳእ ብምዝዛሙ እዩ፡፡

ኣሜሪካ ዘሕለፈቶ ውሳነ ንዩክሬን እትህባ ድጋፍ ፍታሕ ምሃብ ብዘኽእል መልኽዑ ምዃኑ ንምግምጋም ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ውሳነ ኣሜሪካ ዙርያ ፕረዚዳንተ ዘለንስኪ ብዛዕባ እዙይ ምንም ዝበልዎ ነገር የለን፤ ብተወሳኪ እውን ኤምባሲ ዩክሬን ኣብ ዋሽንግተን ስቕታ ምምራፁ ሬውተርስ ኣብ ዘዉፅኦ ሓበሬታ ይገልፅ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንዩክሬን ልዕሊ 175 ቢሊየን ዶላር ሓፈሻዊ ሓገዝ ምግባራ ይዝኸር፡፡

Comments (0)
Add Comment