ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ኢትዮጵያን ሶማሊያ ዝገበረኦ ስምምዕነት ከምትድግፍ ኣፍሊጣ።
ኣሜሪካ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሉኣላዊነት እተን ሃገራ ኣብ ሓበራዊ ረብሓታት ዝተደረኸ ዝግበር ምትሕብባር መሰረት ዝገበረ ስምምዕነት ከምትድግፍ ገሊፃ፡፡
ኣብዚ ከይዲ ድማ ርኡይ ግደ ዝተፃወተት ቱርኪ ኣመስጊና፡፡
“ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማሊያ ብምኽባር ንሓበራዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘተኣማምንን ዘላቕነት ዘለዎን በሪ ባሕሪ ተረባሒት ንኽትከውን ዘኽእል ተግባራዊ ንኽኸውን ትፅቢት ንገብር” ኢላ፡፡