ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ኣብዱልቃድር ሁሴን ኦማር ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ፥ ኣብ ቀፃሊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ነቶም ሚኒስትር ገሊፆምሎም፡፡

ኣብ ጅቡቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ብምዃነረ እናገልገሉ ዝፀንሑ ኣምባሳደር ብርሃኑ÷ ኣብታ ሃገር ዝነበሮም ፃንሒት ምስቲ ሚኒስቴር ተቐራሪብካ ብምስራሕ ርክብ ክልቲአነ ሃገራት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከብፅሑ ከምዝኸኣሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ የመላኽት።

Comments (0)
Add Comment