ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጅቡቲ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጅቡቲ ኣብዱልቃድር ካሚል ኦማር ተዛትዮም፡፡
ኣምባሳደር ብርሃኑ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ስራሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮ-ጅቡቲ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘበርከትዎ ሕውነት ደገፍ ንኢዶም፡፡
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምሕዝነት ብቐፃሊነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ምግላፆም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment