ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ካብ መንግስቲ ጅቡቲ ሽልማት ሜዳሊያ ተበርኪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ብኣምባሳደርነት ዘገልገልሉ ‘ጁን 27 ኦፊሰር ዳንስ ላሬድ’ ዝተብሃለ ናይታ ሃገር ዲፕሎማሲ ናይ ክብሪ ሜዳሊያ ካብ መንግስቲ ጅቡቲ ተቐቢሎም፡፡
ኣምባሳደር ብርሃኑ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘረኣይዎ ቤተሰባዊ ደገፍ ካብ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ ምስጋና ቐሪቡሎም።
እቲ ናይ ክብሪ ዲፕሎማሲ መዳሊያ ዝኾነ ‘ጁን 27 ኦፊሰር ዳንስ ላሬድ’ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ጅቡቲ ዓብደልቃድር ካሚል መሓመድ ብምቕባሎም ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ኣምባሳደር ብርሃኑ ብምግላፅ ጀቡቲ ካልአይቲ ሃገረይ እያ ኢሎም፡፡
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ንዝደገፍዎ ትካላትን ውልቀሰባትን ምስጋናኦም ገሊፆም።
Comments (0)
Add Comment