ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ማህዲ ምስ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ጄኔራል ሳንቲኖ ደንግ ወል ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡
እቶም ኣምባሳደር መንግስቲ ኢትዮጵያ ትግራይ ናብ ስሩዕ ኩነታት ንምምላስን መሊስካ ንምጥያሽን እናሰርሖ ብዛዕባ ዝርከብ ተግባር፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝምልከት፣ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ውጥጥ ዶብ ኢትዮ ሱዳንን ኢትዮጵያ ተካይዶ ሃገራዊ መረፃን ዝምልከት መብርሂ ነቶም ኢታማዡር ሹም ሂቦምዎም፡፡
ጄኔራል ሳንቲኖ ደንግ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ታሪኻዊ፣ ፅቡቕ ርክብን ምትሕብባርን ብምንኣድ፤ ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ዘይርሳዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ሃገሮም ምስ ረብሓ ኢትዮጵያ ዝፃብኡ ሓይሊታት ከምዘይትተሓባበር ምርግጋፆም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!