ኣርሰናል ምስ ሪያል ማድሪድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት እንትካየድ ኣርሰናል ምስ ሪያል ማድሪድ ክራኸባ ኢየን፡፡

ዓለም ብሃንቀውታ ኣብ ዝፅበዮን ጋንታታት ደሚቐን ክረኣያ ኣብ ዝደልያሉን ውድድር ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ዝካየድ እንትኸውን፤ ኣብ ታሪኻ ናይቲ ውድድር ፅዋዕ ረኺባ ዘይፈልጥ ጋንታ ሰሜን ለንደን ኣርሰናል ንጉስ እቲ መድረኽን 15 ግዘ ምስ ዝተዓወተትን ሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ኢምሬትስ ምሸት ሰዓት 4 ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ክልቲአን ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ዝራኸባ ጋንታታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2006 ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተራኺበን፤ ኣርሰናል ብፈረንሳዊ ኮኸብ ቴሪ ዳንኤል ኦንሪ ብሕታዊት ሸቶ ስዒራ ምንባራ ይዝከር፡፡

ኣርሰናል ናይ ብዙሓት ዓመታት ሕቶ ፅዋዕ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምምላስ እዚ ከቢድ ግጥም ብዓወት ምዝዛምን ክሳብ ፍፃመ ብዓወት ምጉዓዝን ግድን ይብላ፡፡

ብኣሰልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ እናተመርሐት ፅዋዕ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሓዊሱ ኣብዚ ውድድር ዓመት ንሰለስተ ክብሪታት እናተናሓነሐት ትርከብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብግደኣ፤ ንኣርሰናል ከቢድ ፈተና ከምትኾና ይግመት፡፡

ማድሪድ ንማንቼስተር ሲቲ ካብቲ ውድድር ኣብ ዘሰናበተትሉ እዋን ካርሎ ኣንቸሎቲ እዚ ውድድር ሕዚ ተጀሚሩ ኣሎ ምባሎም ይዝከር፡፡

ኣብ ኤምሬትስ ስታዲየም ፅቡቕ ምሸት ንምሕላፍ ፍሉይ ምስሊ ዘሰናድኡ ደገፍቲ ኣርሰናል፤ ጋንታኦም ንማድሪድ ብምስዓር ምሸቶም ዝበለፀ ድሙቕ ንምግባር ይሰምር ዶ ይኸውን ዝብል ልዑል ሃንቀውታ ፈጢሩ ይርከብ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ብተመሳሳሊ ሰዓት ጋንታ ባየርን ሙኒክ ንጋንታ ኢንተር ሚላን ኣብ ሜዳኣ ኣሊያንዝ ኣሬና እተተኣናግደሉ ፀወታ ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ፡፡

Comments (0)
Add Comment