ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 33 ሰሙ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሴናልን ቼልሲን እንትዕወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
ኣርሰናል ካብ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኢፕስዊች ታውን ተራኺ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊባ፡፡
ሊያንድሮ ትሮሳርድ (2)፣ ጋብርኤል ማርቲኔሊ ኢታን ዋኔሪን ናይ ኣርሰናል ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን።
ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ንዎልቭስ ኣተኣናጊዳ ብብሕታዊት ሸቶ ፓብሎ ሳራቢያ 1 ን 0 ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
ብተመሰሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ፉልሃምን ቼልሲን ጋንታ ቼልሲ 2 ን 1 ተዓዊታ፡፡
ፉልሃም ብሸቶ ኣሌክስ ኢዮቢ ክሳብ 84 ደቒቕ እናመርሐት ዝፀንሐት እንትትከውን÷ ታይሪቅ ጆርጅ ኣብ 85 ከምኡ እውን ፔድሮ ኔቶ ኣብ መበል 93 ደቒቕ ብዘመዝገቡወን ዝደንጎያ ሸቶታት ቼልሲ ተዓዋቲት ገይረንኣ፡፡
ቼልሲ ምዕዋታ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ፀወታ ቻምፒዮንስ ሊግ ንምስታፍ ኣ ትገብሮ ንሕንሕ ልዑል ረብሓ ዘለወን ሰለስተ ወሰንቲ ነጥቢታት ረኺባ፡፡
ደረጃኣ እውን ሓደ ፀወታ ንዝተርፋ ኖቲንግሃም ፎረስት ብምብላፅ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ክትቅመጥ ክኢላ፡፡