ኣርሴናልን ቼልሲን እንትዕወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ስዕረት ኣተኣናጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 33 ሰሙ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሴናልን ቼልሲን እንትዕወታ ማንቼስተር ዩናይትድ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡

ኣርሰናል ካብ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኢፕስዊች ታውን ተራኺ 4 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊባ፡፡

ሊያንድሮ ትሮሳርድ (2)፣ ጋብርኤል ማርቲኔሊ ኢታን ዋኔሪን ናይ ኣርሰናል ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን።

ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ንዎልቭስ ኣተኣናጊዳ ብብሕታዊት ሸቶ ፓብሎ ሳራቢያ 1 ን 0 ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡

ብተመሰሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ፉልሃምን ቼልሲን ጋንታ ቼልሲ 2 ን 1 ተዓዊታ፡፡

ፉልሃም ብሸቶ ኣሌክስ ኢዮቢ ክሳብ 84 ደቒቕ እናመርሐት ዝፀንሐት እንትትከውን÷ ታይሪቅ ጆርጅ ኣብ 85 ከምኡ እውን ፔድሮ ኔቶ ኣብ መበል 93 ደቒቕ ብዘመዝገቡወን ዝደንጎያ ሸቶታት ቼልሲ ተዓዋቲት ገይረንኣ፡፡

ቼልሲ ምዕዋታ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ፀወታ ቻምፒዮንስ ሊግ ንምስታፍ ኣ ትገብሮ ንሕንሕ ልዑል ረብሓ ዘለወን ሰለስተ ወሰንቲ ነጥቢታት ረኺባ፡፡

ደረጃኣ እውን ሓደ ፀወታ ንዝተርፋ ኖቲንግሃም ፎረስት ብምብላፅ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ክትቅመጥ ክኢላ፡፡

Comments (0)
Add Comment