ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መስራቲ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ሓኻይምን መምህራንን ከምዝትክእ ገሊፆም፡፡
ቢል ጌትስ እዚ ዝበሉ÷ ብኔትፍሊክስ ዝተሰናደአ ዕድል መፃኢት ዓለም ትኹረት ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ኢዩ፡፡
ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ብልዑል ቅልጣፈ እናዓበየ ምምፅኡ ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ስራሕ ናይ ደቂ ሰባት ግደ እናነከየ ከምዝኸይድን ዓለም ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናተሰጋገረት ከምዝኾነትን ኣመልኪቶም።
ብፍላይ ሓኻይምን መምህራንን ከም ኣብነት ብምፅራሕ፤ እዞም ሞያታት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ክትከኦም ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።
ቢል ጌትስ÷ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ንደቂ ሰባት ፈተንቲ ዝኾኑ ቀተልቲ ሕማማት፣ ክሌማዊ ለውጢን ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲን ንምቕራብ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ምግላፆም ኒው ዮርክ ፖስት ፀብፂቡ።