ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብያተ ዕዮ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘዳለወኦ ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ካቢኔ ብምቕራብ ብምግምጋም ኣፅዲቐን።
ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብ ዝሓዞ ትልሚ፥ ኣብዚ ዓመት ሓምሳን ሸውዓተን ሚኢታዊ ተሓራሲ መሬት ናብ ሕርሻን ልምዓት መስኖን ከም ዘውዕል ኣፀዲቑ ኣሎ።
እኹል ዘበናዊ ዱኹዒ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፥ ዘድሊ እታወታት ሕርሻ ብምቕራብ ነቲ ዝሓዞ ትልሚ ንምዕዋት ከም ዝስርሕ ገሊፁ።
ቢሮ ምሕደራን ኣጠቓቕማን መሬት ብግድኡ÷ ኣብ ምዝገባ ካዳስተር፣ ምትካል እግርን ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊን ከም ዝሰርሕ ኣብ ዘቕረቦ ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ነፂሩ።
ቢሮ ጥዕና ብወገኑ፥ ኣብ መባእታዊ ክንክን ጥዕና 1 ሺሕን 500 ሰብ ሞያ ጥሙር ጥዕና ብምስልጣን ናብ ስራሕ ንምእታው ትልሚ ኣፅዲቑ ኣሎ።
ካብ ሓገዝ ዝተረኸባ ኣምቡላንሳት ናብ ተግባር ኣትየን ማሕበረሰብ ከገልግላ ከም ዝገብር እውን ነፂሩ።
ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መድሕን ጥዕና ምትግባር ድማ ኣካል ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ቢሮ ከም ዝኾነ ገሊፁ።
እተን ካልኦት ኣብያተ ዕዮ እውን ብተመሳሳሊ ትልሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ብምግምጋም ኣፅዲቐን።
ካቢኔ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣንፈታት ትኹረትን ዕማማትን ዝሓዘ ትልሚ ከምዘፅደቐ ይዝከር።