ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ጉድኣት ተሓታትነት ምንጋስ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ  ሎሚ በዶ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ንምቕናስ ተሓታትነት ምንጋስ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ክልል ኦሮሚያ መስ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ደቂ ኣኒስቲዮ ጨፌ ኦሮሚያን ብምዃን ኣብ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ምቕናስ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚበን።

ምክትል ኣፈጉባኤ ሎሚ በዶ፥ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሑ ዘለዉ ጉድኣትን ሞትን ካብ እዋን ናብ እዋን ኣተሓሳሳብነቱ ይሰፍሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ስለዝኾነ እቲ ፀገም ንክቕረፍን ተሓታትነት ንክነግስን ዝወፅኡ ሕጊታት ብኣግባቡ ተግባራዊ ንክኾኑ ተመጣጣኒ ፈርዲ ምሃብ ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ብታምራት ደለሊ

Comments (0)
Add Comment