ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዝፍፀም ጉሕለት እናነከየ ምኳኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መስመራት መመሓላለፍቲ ሓይሊ ፖሎታት ሓፂን ዝፍፀሙ ገበናት ጉሕለት ንምክልኻል ዝተሰርሐ ስራሕ ዉፅኢት እናምፀአ ምኳኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
 
ሓላፊ ቢሮ ክትትል፣ ቁፅፅርን ደሕንነትን መሰረተ ልምዓት ሓይሊ እቲ ትካል አቶ ዋለ ታምሬ ከምዝበልዎ÷ ኣብ ፖሎታት ሓፂን ዝፍፀም ጉሕለት ንምክልኻል ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣንፈት ተዋሂቡ፡፡
 
ግልጋሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ደሕንነትን ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት እናተፈፀመ ዘሎ ጉሕለት ኣጀንዳ ብሄራዊ ደሕንነት እታ ሃገር ከምዝኾነ ስራሕቲ ግንዛበ ምኽያዱ ተዛሪቦም፡፡
 
ብተደጋጋሚ ጉሕለት ዝፍፀመሎም 21 መስመራት ከምዝተፈለዩ ብምሕባር÷ እቲ ትካል ምስ ግልጋሎት ብሄራዊ መረዳታን ደሕንነት ጥንኩር ስርዓት ሓበሬታ ምዝርግሑ ገሊፆም፡፡
 
ብካሊእ ወገን ኣብዚ መንፈቕ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ዙሪያ ጉሕለት መሰረተ ልምዓታት መመሓላለፍቲ ሓይሊ ግንዛበ ናይ ምሃብ ስራሕቲ ከምዝተኻየደ ኣልዒሎም፡፡
 
በዚ ድማ ማሕበረሰብ ኣብ መሰረተ ልምዓት ዘለዎ ስምዒት በዓል ዋናነት እናዓበየ ምምፅኡ ምግላፆም ካብቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
 
ኣብ መንፈቕ ዓመት ኣብ መመሓላለፊ ሓይሊ ተሸካሚ ብረት ፖሎታት ዝፍፀሙ ጉሕለታት ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር እናነከየ ምምፅኡ ተዛሪቦም፡፡
Comments (0)
Add Comment